​​​​​​​​​​​​​​​​​​​

remove Image

ቶክ ቦክስ/Talk Box

ውሉድኩም ናይ ምዝራብን ናይ ቋንቋን ክእለታት ኸማዕብል ሓግዝዎ

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ

ኣብ መንጎ ውሉድን ወላዲኦምን ወይ ኣላዪኦምን ዘሎ ርክብ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መሰረት እዩ። Talk Box/ቶክ ቦክስ ወለድን ኣለይትን ንዘረባን ቋንቋን ውሉዶም ዝሕግዙሉ መገድታት ንኽመሃሩ ዝሕግዝ ናይ ኦንላይን ሃፍትታት ስብስብ እዩ። ምስ ውሉድካ እትገብሮ ዝዀነ ይኹን ንጥፈት ቋንቋ ንምምሃር ዕድል ይኸፍት እዩ። ብሓባር ክትጻወቱን መዓልታዊ ነገራት ክትገብሩን ከለኹም ንውሉድኩም ኣዘራርቡ። ንውላድኩም ብኸመይ ትዛረቡን ትምልሱሉን ለውጢ የምጽእ እዩ።

እቲ Talk Box/ቶክ ቦክስ ንውሉድኩም ኽትሕግዙ ምኽርታት ይህበኩም እዩ። ነዚ ዝስዕብ ክትመሃሩ ኢኹም፦

  • ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ንምምዕባል ምስ ውሉድኩም ብኸመይ ከም እትዘራረቡ
  • ውሉድኩም ቛንቋ ንኸማዕብል ዝሕግዝ ንጥፈታት
  • ኣብ ናይ ዘረባ ድምጽን ምዕባለ ቋንቋን እንታይ ክትጽበዩ ኸም ዘለኩም
  • ንውሉድኩም በቲ ኣጸቢቕኩም እትፈልጥዎ ቛንቋ ምዝርራብ
  • መዓስን ኣበይን ሓገዝ ክትረኽቡ ከም ዘለኩም

እቲ Talk Box/ቶክ ቦክስ ንወለዲ፣ ንኣለይትን ንውሉድኩም ንዚከናኸንዎም ኻልኦትን እዩ ዝጠቅም። ናይ ምዝራብን ቋንቋን ኣገልግሎታት ንምትካእ ኣይኰነን። ብዛዕባ ኣዘራርባን ምዕባለ ቛንቋን ውሉድኩም ትጭነቑ እንተ ኾይንኩም፣ ምስ ሓደ ናይ ዝርርብ ቋንቋ ፓቶሎጂስት ተራኸቡ።

Current as of: May 21, 2025
Author: Pediatric Rehabilitation Services, Alberta Health Services
Rehabilitation Advice Line

Monday to Friday from 9 a.m. to 5 p.m.

1-833-379-0563

Toll-free

Our work takes place on historical and contemporary Indigenous lands, including the territories of Treaty 6, Treaty 7 & Treaty 8 and the homeland of the Métis Nation of Alberta and 8 Métis Settlements. We also acknowledge the many Indigenous communities that have been forged in urban centres across Alberta.